Unit 1: How do I...
Select a unit
- 1 How do I...
- 2 Unit 2
- 3 Unit 3
- 4 Unit 4
- 5 Unit 5
- 6 Unit 6
- 7 Unit 7
- 8 Unit 8
- 9 Unit 9
- 10 Unit 10
- 11 Unit 11
- 12 Unit 12
- 13 Unit 13
- 14 Unit 14
- 15 Unit 15
- 16 Unit 16
- 17 Unit 17
- 18 Unit 18
- 19 Unit 19
- 20 Unit 20
- 21 Unit 21
- 22 Unit 22
- 23 Unit 23
- 24 Unit 24
- 25 Unit 25
- 26 Unit 26
- 27 Unit 27
- 28 Unit 28
- 29 Unit 29
- 30 Unit 30
- 31 Unit 31
- 32 Unit 32
- 33 Unit 33
- 34 Unit 34
- 35 Unit 35
- 36 Unit 36
- 37 Unit 37
- 38 Unit 38
- 39 Unit 39
- 40 Unit 40
Session 12
Listen to find out how you can ask to do something in English.
ብእንግሊዝኛ ከመይ ጌርካ ሓደ ነገር ከምዝሕተት ንኽትፈልጡ ጽን ኢልኩም ስምዑ።
Activity 1
How do I make requests?
ምስ ዝበለጸ ዓርክኻ ክትገብሮም እትደሊ ነገራት ኣየናይ ኣገባብ ኣተሓትታ ምተጠቐምካ፧
Can I…?
Could I…?
Do you mind if I…?
ጽን ኢልኩም ብምስማዕ፡ መልስታትኩም ገምግሙ። ካብኡ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ምስ ዘሎ ጽሑፍ ኣወዳድርዎ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፣ እንቋዕ ናብ መደብ How do I… ብድሓን መጻእኩም። ኣነ ተኽልማርያም በኪት ኢየ፡ ምሳና’ውን ሳም ኣላ።
Sam
And I'm Sam. Hello, everybody!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ንሎሚ፤ ሓደ ነገር ክትገብሩ ምስ እትደልዩ ብኸመይ ምሕታት ከምእትኽእሉ ክንመሃር ኢና። እስከ ሓደ ነገር ክገብሩ ንዘደልዩ ሰባት ብምስማዕ ንጀምሮ። ንሕጂ ኩሎም እንታይ ክገብሩ ከምዝሓቱ ወስኑ።
Can I sit here, please?
Could I sit here, please?
Do you mind if I sit here?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም፤ ነፍሲ ወከፎም ‘sit’ ኮፍ ክብሉ ሓቲቶም። እሞ ሳም ጠለብ ብኸመይ ከም እንቐርብ ዝሕግዘና ቛንቃ’ዶ ክንርኢ?
Sam
Yes! The first speaker used the verb ‘can’. This is very common for making requests.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብ’ዚ ክንዝክሮ ዘሎና ሕቶ ስለዝኮነ፡ ኣርእስትን ግስን ክንቀያይሮም ከምዘሎና’ዩ። So ‘Can I…?’ not 'I can…'. Like this:
Can I sit here, please?
Sam
So you can use this to make many different requests. Like this:
Can I speak to you?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክዛረበካ’ዶ? ኣብ’ዚ ‘Can I…?’ ጥራሕ’ዩ ከም መሰረታዊ ግሲ ዘድልየና።
Sam
It's often polite to say 'please', too. Now, let’s quickly practise the pronunciation together! Repeat after me:
‘can’
‘Can I…’
‘Can I sit here, please?’
Ok, great! So now let's look at another way to make a request – we also heard 'Could I…?' We can use this in the same way as 'Can I…?' but 'could' is more polite than 'can'.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እወ፡ ስለዚ ‘Could I…?’ ካብ ‘Can I…?' ቅሩብ ስሩዑን ምቕሉልን እዩ። Let’s practise the pronunciation of this.
Sam
'could'
‘Could I sit here, please?’
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕራይ፤ ጠለብ እነቕርበሉ ካልእ መንገዲ’ውን ኣሎና። ኣይንኽእልን ዲና? እዚ ግን ኣዝዩ ምቕሉል’ዩ፤ ኣይኮነን ድዩ?
Sam
Yes, so we also heard 'Do you mind if I…?' Let's listen again:
Do you mind if I sit here?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ስለዚ ብኣዝዩ ምቕሉል መንገዲ ሓደ ነገር ንምግባር ክትሓቱ ምስ እትደልዩ ግሲ ብምስዓብ 'Do you mind if I…?’ ትብሉ። ሕቶ ስለዝኾነ ድምጽኹም ክብ ምባል ኣይትረስዑ።
Sam
Yes, let's practise that quickly:
‘Do you mind if I…?’
…and you can follow it with any request.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕራይ እምበኣር፡ መስኾት ንምኽፋት ምስ እትደልዩ ከም’ዚ ዝስዕብ ትብሉ…
Do you mind if I open the window?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Thanks, Sam. ሕጂ ጠለብ ንምቕራብ ዘኽእሉ ሰለስተ መገድታት ስለዝተመሃርና፤ ልምምድ ግበሩ። ድሓር ንመልስኹም ምስ ናይ ሳም ኣነጻጽሩዎ።
ሕራይ፤ ብርዕኹም ስለዝረሳዕኩምዎ ካብ መሓዛኹም ክትልቅሑ ደሊኹም ንበል። ብኸመይ ትሓቱ? ነዚ ዝሕግዘኩም ቃል እንሆ፤ ‘borrow’ ምልቃሕ ማለት’ዩ። ናይ ቀረባ መሓዛኹም ዝለዝኾነ ብዙሕ ምቕልሉነት ኣየድልየኩምን’ዩ።
Sam
Can I borrow your pen, please?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕጂ ቅድሚ ሰዓት ምእካሉ ካብ ስራሕ ንምኻድ ንሓለቃኹም ፍቓድ ክትሓቱ ደሊኹም? ኣብ’ዚ ምቕልሉነት ስለዘድልየኩም ‘could’ ትጥቀሙ።
Sam
Could I go home early, please?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብ መወዳእታ፤ ኣገዳሲ ዝኾነ ቴሌፎን ክትድውሉ እናደለኹም ተሌፎንኩም ጠፊኣ። ንዘይትፈልጥዎ ሰብ ቴሌፎኑ ንኸልቅሓኩም ክትሓቱ ደሊኹም። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዚኹም ምቕሉላት ክትኮኑ ስለዝግብኣኩም ‘mind’ ትጥቀሙ።
Sam
Do you mind if I borrow your phone?
Ok, so now you know how to ask to do things in English – find a friend and ask them if you can borrow something!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Good idea! ኣብ ዝቕጽል How do I… ብሰላም የራኽበና። ሰላም ቀንዩ።
Sam
Bye!
Learn more!
1. ገለ ነገር ክገብር ምስ ዝደሊ እንታይ ፍልይ ዝበለ ኣገባብ ኣተሓታትታ ክጥቀም ይግባእ፧
ነዞም ዝስዕቡ ክትጥቀም ትኽእል፡
Can I…?
Could I…?
Do you mind if I…?
2. ኣየናይ ኣገባብ ኢዩ ምቕሉልነት ዝገልጽ፤
'Can I…?' እቲ መንጎ መንጎ ዝኾነ ኢዩ ከምኡ 'Do you mind if I…?' ከኣ እቲ ኣመና ናይ ምቕሉልነት ምልክት ኢዩ።
3. ኣብ ነፍሲወከፍ ቅጺ እንታይ ዓይነት ግሲ ክንጥቀም ንኽእል?
ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ህልው ግዜ ቀዳማይ ኣካል ተጠቀሙ።
Can I open…?
Could I open…?
Do you mind if I open…?
ከመይ ገይረ ጠለብ ክጠልብ ይኽእል፧
3 Questions
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ።
Help
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ።
Hint
ብዛዕማ ኣሰራርዓ ቃላት ሕሰቡ - እዚ እቲ ሕቶ ኢዩ።Question 1 of 3
Help
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ።
Hint
እዚ ንዝኾነ ከጨንቖ ወይ ከኣ ክርብሾ ዝኽእል እንተኾነ ትሓቱ ኣለኹም።Question 2 of 3
Help
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ።
Hint
ጠለባት ሕቶታት ምዃኖምን ምቕሉላት ምዃኑን ኣይትረስዑ።Question 3 of 3
Excellent! Great job! Bad luck! You scored:
What was the last request you made? Was it to a friend, a boss, a family member? Tell us on our Facebook group!
እታ ኣብ መወዳእታ ዝጠለብካዮ ጠለብ እንታይ ነይሩ፧ ንዓርክኻ’ዶ፡ ንሓለቓኻ’ዶ፡ ወይ ከኣ ምስ ቤተ ሰብካ ነይሩ፧ ኣብ ፈይስቡክና ኣካፍሉና!
Join us for our next episode of How do I… when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝቕጽል መደብ How to…, ኣገደስቲ ናይ ኢንግሊዝኛ ዝርርብ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና’ሞ ብሰላም የራኽበና።