Unit 1: How do I...
Select a unit
- 1 How do I...
- 2 Unit 2
- 3 Unit 3
- 4 Unit 4
- 5 Unit 5
- 6 Unit 6
- 7 Unit 7
- 8 Unit 8
- 9 Unit 9
- 10 Unit 10
- 11 Unit 11
- 12 Unit 12
- 13 Unit 13
- 14 Unit 14
- 15 Unit 15
- 16 Unit 16
- 17 Unit 17
- 18 Unit 18
- 19 Unit 19
- 20 Unit 20
- 21 Unit 21
- 22 Unit 22
- 23 Unit 23
- 24 Unit 24
- 25 Unit 25
- 26 Unit 26
- 27 Unit 27
- 28 Unit 28
- 29 Unit 29
- 30 Unit 30
- 31 Unit 31
- 32 Unit 32
- 33 Unit 33
- 34 Unit 34
- 35 Unit 35
- 36 Unit 36
- 37 Unit 37
- 38 Unit 38
- 39 Unit 39
- 40 Unit 40
Session 5
Listen to find out how to talk about your abilities in English.
ከመይ ጌርኩም ብእንግሊዘኛ ብዛዕባ ክእለትኩም ከም እትዛረቡ ንምፍላጥ ጽን ኢልኩም ስምዑ።
Activity 1
How do I talk about my abilities?
ናይዞም ቃላት ተጻረርቲ ኣበሃህላ ትፈልጥዎም’ዶ፧ ነዚ ሳጹን መልእዎ።
good |
|
well |
|
ንመልስኹም ንምርግጋጽ ስምዑ። ድሒርኩም ምስዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጽሑፍ ኣወዳድርዎ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፣ እንቋዕ ናብ መደብ How do I… ብድሓን መጻእኩም። ኣነ ተክልማርያም በኪት ኢየ፡ ምሳና'ውን ሳም ኣሎ።
Sam
Hello! Welcome!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሎሚ፡ ብዛዕባ ብቕዓታትና ብኸመይ ከም እንዛረብ ክንርኢ ኢና። 'ኣብ ኩዕሶ እግሪ 'football' እንታይ ትፈቱ' ንዝብል ሕቶ፡ መልሲ ናይ ኣርባዕተ ሰባት ንስማዕ። እንተዘይተረዲኡኩም ኣይትሸገሩ፤ ድሓር ክንሕግዘኩም ኢና። ንሕጂ ግን ኣብ ኣብ ኩዕሶ እግሪ መን ንፉዕ ከምዝኾነ ወስኑ።
1. I play football quite well, yeah.
2. I'm pretty good, but my sister's better. She's very good at football!
3. I'm really bad at football, to be honest.
4. I play football very badly.
Sam
Who was the best at football, did you hear it?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሓፍቲ እቲ ካልኣይ ተዛራቢ ኢያ ነይራ! ስለዚ፣ ሳም፡ ንሳ እታ ዝበለጸት ሰብ ከም ዝነበረት ብኸመይ ንፈልጥ?
Sam
Let's listen again to two of the people.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Ok! እዞም ሰባት ነዘን 'good' 'ጽቡቕ' ወይ ከኣ 'bad' ሕማቕ ዝብላ ቃላት ተጠቒሞም። ደጊምና እና ሰማዕና ቅድሚ 'good' ወይ 'bad' ኣየኖት ግስታት ከም ዝኸዳ ኣስተውዕሉ።
I'm pretty good…
She's very good at football!
I'm really bad at football…
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕራይ፣ ስለዚ 'good' ከምኡ'ውን 'bad' ቅጽላት ኢዮም፣ ማለት ብሓፈሻ 'be' ንዝብለ ግሲ ንጥቀም።
Sam
Yes, they said 'she's' and 'I'm'. Now listen again – what little word do you hear before 'football'?
She's very good at football!
I'm really bad at football…
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እቲ ንእሽተይ ቃል 'at' ነይሩ። ነቲ ክልቲኡ ድኹምን ጽቡቕን ጎድንኹም ክትገልጹ ምስ እትደልዩ፡ ስም ኮይኑ፡ ምስ ክልቲኦም 'good' ከምኡ'ውን 'bad' 'at' ንጥቀም።
Sam
Quick practice! Repeat after me:
She's very good at football!
I'm really bad at football.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እወ! እዞም ሰባት ንኽእለቶም ንምግላጽ ግሲ እምበር 'good' ወይ 'bad' ኣይጥቀሙን እዮም። ደጊምኩም ስምዑ።
I play football quite well, yeah.
I play football very badly.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብ ህሉው ግዜ ዝብል ግሲ ንበይኑ ተጠቂሞም። ዝኾነ ግሲ ከም በዓል መግቢ ምስራሕ፣ ምስዕሳዕ፣ ወይ ውን ክትጥቀሙ ትኽእሉ። ከመይ ከም እትጻወቱ ክትገልጹ ምስእትደልዩ ግን፡ ድሕሪ ግሲ ሓጋዚ ግሲ ክትውስኹ የድሊ። እንታይ ከም ዝኾኑ ንምፍላጥ ሓደ ግዜ ደጊምኩም ስምዑ።
I play football quite well, yeah.
I play football very badly.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ንሳቶም 'well' ደሓንን 'badly' ኣብ ሕማቕን ነይሮም። ከምኡ'ውን 'very', ብጣዕሚ ዝብል ምስ 'really' 'ብርግጽ' ተመሳሳሊ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ምስቲ ኣቐዲምኩም ዝሰማዕክምዎ 'quite' ብመጠኑ ከም ኡውን 'pretty' ተመሳሳሊ ትርጉም ኣለዎ። ነዞም ቃላት ቅድሚ 'good' ወይ 'bad' ከምኡ'ውን 'well' ወይ 'badly' ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ።
Sam
Let's practise the pronunciation. Repeat after me:
I play football quite well.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕጂ ክንደይ ዝኣክል ከም ዝተመሃርኩም እትግምግሙሉ ግዜ ኢዩ። ሕጂ ንስኹም 'ደሓን' ዝኾነ ብቕዓት እተርእዩሉ ማለት ብጣዕሚ ጽቡቕ ዘይኮነ እትብሉሉ ሕሰቡ። ነዚ ንምግላጽ ብቕድሚ 'good' ክልተ ቃላት ከም እትጥቀሙ ዘክሩ። ነቲ ምሉእ ሓሳባት ጥቐስዎ እሞ፣ ሳም ከኣ ኣብ ገለ ነገር ደሓን ኣብ ዝኾነትሉ ክትነግረና ኢያ እሞ፡ ናትኩም ከኣ ተመሳሳሊ እንተኾይኑ ክትርእዩ ኢኹም።
Sam
I'm quite good at cooking.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Great! ኣብ ገለ ገለ ነገራት 'I'm pretty good at…' ክትብሉ ትኽእሉ።
ኣስዒብኩም፣ ብዛዕባ ድኽመትኩም ተዛረቡ። ምስ ናይ ሳም ከኣ ኣወዳድርዎ።
Sam
I speak English well.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Yes, Sam, you are quite good at English.
Sam
Thank you!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብ ናይ ዝቕጽል መደብ How do I… 'very good at English' ከም እትኾኑ እናተተስፎና ንሰናበተኩም! Bye!
Sam
Yes, so you'll be excellent at English! Bye, everyone!
Learn more!
1. ቅጽልን ኣስማትን ተጠቒምኩም ብኸመይ ብዛዕባ ብቕዓታትኩም ትዛረቡ?
ንብቕዓታትኩም ንምግላጽ መብዛሕትኡ ግዜ ‘good’ ን ‘bad’ ን ዝብሉ ቅጽላት ንጥቀም። ነዚ ዝያዳ ሕሉፍ ክትገብሩዎ ምስእትደልዩ ‘excellent’ ብጣዕሚ ጽቡቕን ‘terrible’ ኣዝዩ ሕማቕን ክትጥቀሙ ትኽእሉ። ምስ’ዚ ከኣ ‘be’ ንዝብል ግሲ ምጥቃም ዘክሩ።
subject + be + adjective
She’s good.
We’re terrible.
ነቲ ውሱን ንጥፈት ክትጠቕሱ ምስእትደልዩ ኣብ ቅድሚ ስም 'at' ( ወይ ኣርእስቲ ብ ‘-ing ዝውድኡ) ተጠቐሙ።
subject + be + adjective + at + noun/ gerund
I’m bad at French.
He’s excellent at (playing) football.
2. ግስን ተወሳከ ግስን ተጠቒምኩም ብኸመይ ብዛዕባ ዓቕምታትኩም ትዛረቡ?
ብዛዕባ ብቕዓታትኩም በቲ እትገልጽዎ ተግባራትኩም ጌርኩም እውን ክትዛረቡ ትኽእሉ። ንኣብነት ‘play’, ‘cook’, ‘dance’, ‘speak’ – ብተወሳኺ ግሲ ‘well’ ወይ እውን ‘badly’ ኣሰኒኹም ክትጥቀሙ ትኽእሉ።
I speak French badly.
He plays football very well.
3. ከመይ ጌይርኩም ንብቕዓታትኩም ከተድክሞዎን ከተበርትዕዎን ትኽእሉ?
ን’good’ ን ‘bad’ን፡ ከምኡ እውን ‘well’ ን ‘badly’ ን ንምምሕያሽ፡ ዝኾነ ካብዞም ዝስዕቡ ክትጥቀሙ ትኽእሉ።
Very - ብጣዕሚ
Really - ብሓቂ
Quite - ብርግጽ
Pretty - ጽቡቕ
ብቀጻሊ ብቕሚ እቲ ዘማሕይሽዎ ቃል ይኸዱ።
You’re very good at dancing.
You dance really well.
ከመይ ጌይረ ብዛዕባ ክእለተይ እዛረብ?
4 Questions
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ኣብቲ ቕኑዕ መስርዖም ኣቕምጡዎም።
Help
Activity
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ኣብቲ ቕኑዕ መስርዖም ኣቕምጡዎም።
Hint
‘Good at’ ብሓባር ከም ዝኸይድ ዘክሩ።Question 1 of 4
Help
Activity
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ኣብቲ ቕኑዕ መስርዖም ኣቕምጡዎም።
Hint
‘Quite’ ቅድሚ ‘good’ ከም ዝኸይድ ዘክሩ።Question 2 of 4
Help
Activity
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ኣብቲ ቕኑዕ መስርዖም ኣቕምጡዎም።
Hint
ድሕሪ ‘speak’ ነቲ ቋንቋ ጥቐሱ።Question 3 of 4
Help
Activity
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ኣብቲ ቕኑዕ መስርዖም ኣቕምጡዎም።
Hint
‘Really’ ን ‘badly’ ይገልጾን ቅድሚኡ ከኣ ይስራዕ።Question 4 of 4
Excellent! Great job! Bad luck! You scored:
Come to our Facebook group to tell us what you’re good and bad at!
ነቲ ድኹምን ሓያልን ጎድንኹም ክትነግሩና ኣብቲ ናይ ፈይስቡክ ምጽኡ።
Join us for our next episode of How do I…, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝቕጽል How do I…, መደብና ብዙሕ ጠቓሚ ቋንቋ እንመሃረሉን ናይ ምስማዕ ብቕዓትኩም ትለማመዱሉን የራኽበና።
Session Vocabulary
football
ኩዕሶ እግሪto play (football)
ምጽዋት (ኩዕሶ እግሪ)cooking
ምኽሻንto cook
ምኽሻንdancing
ሳዕስዒትto dance
ምስዕሳዕto speak (a language)
ምዝራብ (ቋንቋ)