Unit 1: How do I...
Select a unit
- 1 How do I...
- 2 Unit 2
- 3 Unit 3
- 4 Unit 4
- 5 Unit 5
- 6 Unit 6
- 7 Unit 7
- 8 Unit 8
- 9 Unit 9
- 10 Unit 10
- 11 Unit 11
- 12 Unit 12
- 13 Unit 13
- 14 Unit 14
- 15 Unit 15
- 16 Unit 16
- 17 Unit 17
- 18 Unit 18
- 19 Unit 19
- 20 Unit 20
- 21 Unit 21
- 22 Unit 22
- 23 Unit 23
- 24 Unit 24
- 25 Unit 25
- 26 Unit 26
- 27 Unit 27
- 28 Unit 28
- 29 Unit 29
- 30 Unit 30
- 31 Unit 31
- 32 Unit 32
- 33 Unit 33
- 34 Unit 34
- 35 Unit 35
- 36 Unit 36
- 37 Unit 37
- 38 Unit 38
- 39 Unit 39
- 40 Unit 40
Session 10
Listen to find out how to use 'there is' and 'there are' in English.
ኣብ ኢንግሊዝኛ ከመይ ገይርና 'there is'ን 'there are'ን ክንጥቀመሎም ከም እንኽእል ንምፍላጥ ንስማዕ።
Activity 1
How do I talk about what food is in my kitchen?
ነዚ Session Vocabulary (መደብ ማህደረ ቃላት) ብምስማዕ ትርጉም እዞም ስዒቦም ዘለው ቃላት ፈትሽ። ካብኡ ኣየናይ ቃል ምስዝፈቀዱ ኣየናይከ ምስዘይፍቀዱ ከምዝምደቡ ወስን።
- a pepper
- an onion
- cheese
- milk
- eggs
- tomatoes
- carrots
መልስኻ ንምፍላጥ ጽን ኢልካ ስማዕ። ካብኡ ምስዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጽሑፍ ኣወዳዳሮ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፣ እንቋዕ ናብ መደብ How do I… ብድሓን መጻእኩም። ኣነ ተክልማርያም በኪት ኢየ፡ ምሳና'ውን ሳም ኣላ።
Sam
Hello! Hope you're well, everyone!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብዚ መደብ'ዚ፡ ከመይ ጌርና ን 'there is' ከምኡ'ውን 'there are' ከም እንጥቀመሎም ክንመሃር ኢና።
እምበኣር፡ ዓርክና ልዊስ ኣብ ፍርጁ እንታይ ዓይነት መግብታት ከም ዘለዎ ክነግረና እዩ'ሞ ንስመዓዮ። ልዊስ ንምሳሕ እንታይ ዓይነት መግቢ ከዳሉ እዩ? ነዞም ቃላት ኣተኹርና ክንስምዕ ክሕግዘና ኢዩ። በርበረ 'a pepper', ሽጉርቲ 'an onion', ፎርማጆ 'cheese', ጸባ 'milk', እንቋቚሖ 'eggs', ኮሚደረ 'tomatoes' ን ካሮትን 'carrots'.
There's a pepper and there's an onion. There's some cheese but there isn't any milk. There are some eggs and some tomatoes, but there aren't any carrots.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ስለዚ፡ በርበረ፡ ሽጉርቲ ገለ ቑሩብ ፎርማጆን፡ እንቋቚሖን ኮሚደረን… ኣለዎ።
Sam
Mmmmh, maybe an omelette? What do you think?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Yes! 'An omelette' ብትግሪኛ ኦምለት ማለት እዩ።
ሕጂ ሉዊስ ኣብ ፍርጁ እንታይ ከም ዘሎን እንታይ ከም ዘየሎን ንምሕባር ዝተጠቕመሎም ሓረጋት ንርአ። ነታ ቐዳመይቲ ምልእቲ ሓሳብ ደጊምና ንስማዓያ። ልዊስ ቅድሚ 'a pepper' በርበረን 'an onion' ሽጉርትን እንታይ እዩ ኢሉ?
There's a pepper and there's an onion.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰሚዕኩሞ'ዶ? 'There is' “ኣሎ” ዝብል ሓባሪ ሓረግ እዩ ተጠቒሙ። ነዚ ኣብ ቅድሚ ንጽልን ክፍቀዱ ዝኽእሉ ነገራትን፡ ከም በዓል 'a pepper' ከምኡ'ውን 'an onion' ዝኣመሰሉ ነእትዎ። 'There' ከምኡ'ውን 'is' ብዝብሉ ክልተ ቃላት ከኣ ይቐውም። ክንዛረብ እንከለና ግን ከም ሓደ ቃል ኢና ነድምጾም - ኣይኮነን ድዩ?
Sam
Yes, so let's practise this together. Please repeat after me:
There's…
There's a…
There's a pepper.
There's an onion.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Great! ሕጂ ነቲ ሉዊስ ዝተዛረቦ ካልኣይ ምሉእ ሓሳብ ንስማዕ። እቲ 'there is' ዝብል ተቐይሩ'ዶ?
There's some cheese but there isn't any milk.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብዚ እዋን እዚ ልዊስ ገና 'there is' ዝብል ቃል እዩ ተጠቒሙ። ግን ኣብ ቅድሚ 'cheese' ዝብል ቃል “ገለ-ቑሩብ” 'some' ዝብል ቃል ተጠቒሙ ኣሎ። ኣብዚ ምሉእ ሓሳባት እዚ 'some' ገለ ቑሩብ ዝብል ቃል ዝተጠቐምናሉ ምኽንያት ከአ 'cheese' ካብቶም ዘይቁጸሩ ኣስማት ስለዝኾነ እዩ።
Sam
So we can't say 'a', like with 'a pepper' or 'an onion', and when you pronounce 'some' you usually say it very quickly. Let's practise together – repeat after me.
There's some cheese.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ቐጺሉ ሉዊስ ኣብ ፍርጁ ምንም ጸባ ከም ዘይብሉ እዩ ነጊሩና። ቅድሚ እቲ ክፍቀድ ዘይክእል ስም 'milk' ዋላሓደ የሎን ንምባል 'isn't' ኣስዒቡ ድማ 'any'ን ዝብል ቃላት ተጠቒሙ ኣሎ።
Sam
Exactly! Let's practise that – repeat after me:
There isn't any milk.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብቲ ናይ መወዳእታ ናይ ልዊስ ምሉእ ሓሳብ ንጽል ድዩ ድርብ ተጠቒሙ?
There are some eggs and some tomatoes, but there aren't any carrots.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣስተብሂልካ'ዶ ትኸውን 'eggs', 'tomatoes' ን 'carrots' (እንቋቚሖ ኮሞደረን ካሮትን) ኩሎም ክፍቀዱ ስለዝኽእሉ እቲ ሰዋሱው ይቕየር እዩ።
Sam
Yes, we change 'is' to 'are', but we still use 'some' and 'any'. Let's practise:
There are some eggs.
There aren't any carrots.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Thanks, Sam. ሕጂ ነቲ ዝተማሃርናዮ ንለማመዶ። ንኣብነት ኣብ ፍርጅካ እንቋቚሖ ኣሎካ ንበል። ከመይ ገይርካ ምገለጽካዮ? ዳሕራይ፡ ንኸተረጋግጹን ንከተወዳድሩን ናይ ሳም መልሲ ክትሰምዑ ኢኹም ።
Sam
There's an egg.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Well done! ኣብ መወዳእታ (ሳም) ኣብ ፍርጅና ዜሎ ነገራት ንምግላጽ ንዞም ሓረጋት ጥራይ ዲና ንጥቐም።
Sam
No, absolutely not! You can use them to talk about what's in your town or city, what's in your room, even what's in your bag! So practise today!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ንዝያዳ ትምህርቲ ኣብ ዝመፍእ ሰሙን መደብ How do I…. የራኽበና። Bye, everyone!
Sam
Bye, bye!
Learn more!
1. ከመይ ገይረ ን 'there is' ን 'there are' ን ክጥቀመሎም እኽእል?
ን 'there'ን 'be' ን (ግሲ ምዃን) ስም ኣኸቲልና ንጥቀመሎም። ንዝፍቀዱን ዘይፍቀዱን ኣስማት 'is' ንረባሕታን ዝፍቀዱን ኣስማት ከኣ 'are' ንጥቀም።
- There's a pepper in the fridge. (pepper = ጽል ዝቑጸር ስም እዩ።)
- There's some cheese in the fridge. (cheese = ዘይፍቀድ ስም)
- There are four tomatoes in the fridge. (tomatoes = ረባሕታ ዝፍቀድ ስም)
2. ከመይ ገይረ 'some'ገለ ክጥቀም ይኽእል?
'Some' 'ገለ ወይ ቁሩብ' ዘይተነጸረ ዓቐን ወይ ገለ ነገር ንምሕባር ንጥቀመሉ። ምስ ረባሕታን ዝፈቀድን ግን ከኣ ቁጽሩ ዘይተነጸረ ስም እውን ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ግን 'there are'ክንጥቀም ይግባእ።
ወይ ምስዘይቁጸር ኣስማት እውን ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ግን ኣብዚ ጉዳይ 'there's' ክንጥቀም ከምዝግባእ ዘክር።
- There are some tomatoes in the fridge.
3. ብዛዕባ ኣሉታኸ እንታይ ንገብር?
እንተደኣ ብዛዕባ ዝጎደለ ክትዛረብን ኣንጻር ክትገልጽን ደሊኻ፡ ድሕሪ 'be' ግሲ ቅድሚ ስም ከኣ 'any' መሊእካ 'not' ብምእታው ነዚ ምሉእ ሓሳብ ናብ ኣሉታ ክትቅይሮ ትኽእል ኢኻ።
- There isn't a pepper in the fridge. (pepper = ንጽል ዝቑጸር ስም እዩ።)
- There isn't any cheese in the fridge. (cheese = ዘይፍቀድ ስም)
- There aren't any tomatoes in the fridge. (tomatoes = ረባሕታ ዝፍቀድ ስም)
4. ከመይ ገይረ 'any' ዝኾነ ይጥቀም?
'Any' ምስ 'not'ን ረባሕታ ዝቑጸር ስምን፡ ኣሉታዊ ምሉእ ሓሳብ ንምምስራት ንጥቀመሉ።
- There aren't any tomatoes in the fridge.
ወይ እውን ምስ ዘይቄጸር ስም ትጥቀመሉ። ግን ኣስተብህል ኣብዚ ኩነት 'there isn't' ክትጥቀም ኣሎካ።
- There isn't any cheese in the fridge.
ኣብ ክሽነይ እንታይ ዓይነት መግቢ ከምዘሎ ከመይ ገይረ ክነግር ይኽእል?
4 Questions
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ብንቡር መስርዖም ኣቐምጦም።
Help
Activity
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ብንቡር መስርዖም ኣቐምጦም።
Hint
እንተደኣ ሓንቲ ካሮት ኮይና 'is' ዲና 'are' ንጥቀም?Question 1 of 4
Help
Activity
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ብንቡር መስርዖም ኣቐምጦም።
Hint
እንተደኣ ቅሩብ ሽጉርቲ ኣሎና ‘is’ ዲና ‘are’ ንጥቀም?Question 2 of 4
Help
Activity
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ብንቡር መስርዖም ኣቐምጦም።
Hint
እዚ ምሉእ ሓሳባት ኣሉታ እዩ። ስለዚ 'some' ዲና 'any' ንጥቀም?Question 3 of 4
Help
Activity
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ብንቡር መስርዖም ኣቐምጦም።
Hint
ጸባ ምስ ዘይቁጸሩ ነገራት እንተኾይኑ 'is' ዲና 'are' ንጥቀም?Question 4 of 4
Excellent! Great job! Bad luck! You scored:
Come to our Facebook group to tell us what’s in your fridge, town, room or bag!
ኣብዛ ፍሪጅካ ከተማኻ ክፍልኻን ቦርሳኻን እንታይ ከምዘሎ ክትነግረና፡ ናብ ናይ ፌይስቡክ ናይ አዕሩኽ ገጽና ምጻእ።
Join us for our next episode of How do I…, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝመጽእ መደብ How do I…, ኣዚዩ ኣገዳሲ ቋንቋ ክንመሃርን ናይ ምስማዕ ልምምድን ክንገብር ስለዝኾንና ተጸምበረና።
Session Vocabulary
in the fridge
ኣብ ፍርጅ
a pepper
በርበረ
an onion
ሽጉርቲ
cheese
ጅብና
milk
ጸባ
eggs
እንቋቚሖ
tomatoes
ኮሚደረ
carrots
ካሮትan omelette
ኦምለት