Unit 2: Essential English Conversation
Select a unit
- 1 Essential English Conversation
- 2 Essential English Conversation
- 3 Unit 3
- 4 Unit 4
- 5 Unit 5
- 6 Unit 6
- 7 Unit 7
- 8 Unit 8
- 9 Unit 9
- 10 Unit 10
- 11 Unit 11
- 12 Unit 12
- 13 Unit 13
- 14 Unit 14
- 15 Unit 15
- 16 Unit 16
- 17 Unit 17
- 18 Unit 18
- 19 Unit 19
- 20 Unit 20
- 21 Unit 21
- 22 Unit 22
- 23 Unit 23
- 24 Unit 24
- 25 Unit 25
- 26 Unit 26
- 27 Unit 27
- 28 Unit 28
- 29 Unit 29
- 30 Unit 30
- 31 Unit 31
- 32 Unit 32
- 33 Unit 33
- 34 Unit 34
- 35 Unit 35
- 36 Unit 36
- 37 Unit 37
- 38 Unit 38
- 39 Unit 39
- 40 Unit 40
Session 47
Listen to find out how to choose an activity with someone.
ብኸመይ መደባት ንምምራጽ ከም እትኽእሉ፡ ጽን ኢልኩም ስምዑ።
Activity 1
What should we do?
Listen to find out how to choose an activity with someone.
ብኸመይ መደባት ንምምራጽ ከም እትኽእሉ፡ ጽን ኢልኩም ስምዑ።
Listen to the audio and take the quiz. ጽን ኢልኩም ብምስማዕ፡ ነዚ ተቐሪቡ ዘሎ ፈተና ስርሕዎ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም: እንቋዕ ናብ መደብ Essential English Conversation ብድሓን መጻእኩም። እዚ መደብ'ዚ ኣገደስቲ ናይ አንግሊዘኛ ዝርርብ ሒዙልኩም ዝቐርብ መደብ እዩ። ኣነ ተኽልማሪያም በኪት እየ።
ኣብ ናይ ሎሚ መደብና፡ ከመይ ጌርና ብዛዕባ ውጥን መደባትና ከም እንዛረብ ክንርኢ ኢና።
ክሪስን ፕኒን ንሎሚ ክራኸቡ ወሲኖም ኣለው። እንታይ እዮም ወሲኖም? ነዚ ዝርርብ ብምስማዕ ፍለጥዎ።
Chris
What should we do?
Penny
Why don't we go shopping?
Chris
I don't want to go shopping. Why don't we go swimming instead?
Penny
OK! That sounds good!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክብድ ዝበለ እንተመሲሉ ኣይትሻቀሉ። ነዚ ዝርርብ ከፋፊልና ብምቕራብ፡ ንኽትለማመዱ ክንሕግዘኩም ኢና።
ክሪስ፡ ንፕኒ እንታይ ከም ዝገብሩ ሓቲትዋ?
What should we do?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ፕኒ ንዕዳጋ ክትከይድ 'go shopping' ዝብል እማመ ኣቕሪባ። ንሳ ነዚ እማመ ከተቕርብ 'why don't we…?' ዝብል ኣገላልጻ ተጠቂማ።
Why don't we go shopping?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
'Why don't we…?' ብምጥቃም ካልኦት ክንገብሮም እንኽእል ንጥፈታት'ውን ክንቕርብ ንኽእል። ነቲ ስራሕ ድሕሪ እቲ ኣገላልጻ ወስኽዎ። ኣብ ቤት-መግቢ ክትበልዕ 'eat in a restaurant' ወይ'ውን ኩዕሶ እግሪ ምጽዋት 'play football' ዝብሉ ሓሳብ ከተቕርቡ ትኽእሉ።
Why don't we eat in a restaurant?
Why don't we play football?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክሪስ ንዕዳጋ ክኸይድ ኣይደለየን። He says 'I don't want to…', ማለት ነቲ ንጥፈት ክገብሮ ኣይደለየን።
I don't want to go shopping.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሓዲሽ ንጥፈት ንምእማት 'why don't we…?' ተጠቂሙ። እቲ ንጥፈት ንምሕንባስ ክኸዱ 'go swimming' ደልዮም። ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ፡ ድሕሪ 'don't' ካልእ ኣማራጺ ከርእዩ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ምሉእ ሓሳብ 'instead' ይጥቀሙ።
Why don't we go swimming instead?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ፕኒ ነቲ ሓሳብ ተቀቢላቶ። ሕራይ ጽቡቕ ሓሳብ ኢላ።
OK! That sounds good!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕራይ እምበኣር፡ ሕጂ ደጊምኩም ፈትኑ። ነዚ ናይ እንግሊዝኛ ምሉእ ሓሳብ ብምስማዕ ድገምዎ።
What should we do?
Why don't we go shopping?
I don't want to go shopping.
Why don't we go swimming instead?
OK! That sounds good!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ እምበኣር፡ ሕጂ ማዕረ ክንደይ ነቲ ዝተማሃርኩሞ ቋንቋ ኢንግሊዝ ከም ትዝክርዎ ነብስኹም ገምግሙ። ነዚ ብትግርኛ እትሰምዕዎ ምሉእ ሓሳባት ብእንግሊዝኛ ድገምዎ።
እንታይ ክንገብር ኢና?
What should we do?
ንዕዳጋ ዘይንኸይድ?
Why don't we go shopping?
ንዕዳጋ ክኸይድ ኣይደልን?
I don't want to go shopping.
ክንሕብስ ግዳ ዘይንኸይድ?
Why don't we go swimming instead?
ሕራይ ጽቡቕ ሓሳብ።
OK! That sounds good!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም፡ ሕጂ ንስኹም ፈትኑ። ንክሪስ እንታይ ክትገብሩ ከም እትተደልዩ ብምንጋር ተለማመዱ። እንተዘይተሰማሚዑ፡ እቲ ንሱ ክገብሮ ዝደልዮ ግበሩ። ትሕትና ንኸተርእዩ 'that sounds good! ምባል ኣይትረስዑ።
What should we do?
Why don't we go swimming instead?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም፡ ሕጂ ንብምሉኡ ዝርርብ ብምስማዕ መልስታትኩም ፈትሹ።
Chris
What should we do?
Penny
Why don't we go shopping?
Chris
I don't want to go shopping. Why don't we go swimming instead?
Penny
OK! That sounds good!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም፡ ሕጂ ብእንግዝኛ ዝኾነ ንጥፈት መሪጽኩም ክትገብሩ ከም እትኽእሉ ተማሂርኩም ኣለኹም ። መሓዛ ኣናዲኹም ልምምድኩም ቀጽሉ። ብተሳትፎኹም እናመስገንና ኣብ ዝመጽእ መደብ Essential English የራኽበና Bye!
Check what you’ve learned by choosing the correct answer to the question.
ቅኑዕ መልሲ ብምምራጽ፡ እንታይ ከምዝተማሃርኩም ርእስኹም ፈትሹ።
እንታይ ንግበር።
3 Questions
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ኣብ ቅኑዕ መስርዕ ኣቀምጥዎም።
Help
Activity
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ኣብ ቅኑዕ መስርዕ ኣቀምጥዎም።
Hint
መስርዕ ናይ ቃላት ኣብ ሕቶ ኣገዳሲ ምኻኑ ኣይትረስዑ።Question 1 of 3
Help
Activity
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ኣብ ቅኑዕ መስርዕ ኣቀምጥዎም።
Hint
እማመና ንኽነቕርብ፡ ኣሉታዊ ሕቶታት ንጥቀም።Question 2 of 3
Help
Activity
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ኣብ ቅኑዕ መስርዕ ኣቀምጥዎም።
Hint
ኣማራጺ እመመ ክነቕርብ ኣብ መወዳእታ ናይ ሕቶ እንታይ ንውስኸሉ?Question 3 of 3
Excellent! Great job! Bad luck! You scored:
Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝቕጽል መደብ Essential English ኣገደስቲ ናይ ኢንግሊዘኛ ዝርርብ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና’ሞ ብሰላም የራኽበና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና
Session Vocabulary
What should we do?
እንታይ ንግበር።
Why don't we______?
ስለምንታይ ______ ዘይንገብር
Why don't we ______ instead?
______ ግዳ ይንኸይድ/ዘይንገብር።
go shopping
ንዕዳ ንኺድ
go swimming
ንምሕንባስ ንኪድ
go to the cinema
ንሲነማ ንኺድ
eat in a restaurant
ኣብ ቤት መግቢ ንብላዕ።
play football
ኩዕሶ እግሪ ንጻወት
afterwards
ድሓር
before
ቅድሚ
That sounds good!
ባህ ዘብል ኢዩ።