Session 15

Listen to find out how to give opinions.
ርእይቶ ንምሃብ ክትክእሉ ጽን ኢልኩም ስምዑ።

ክፍለ-ስራሓት ናይዚ ምዕራፍ

ድምር ነጥቢ ናይዚ ክፍለ-ስራሓት 15

0 / 4

  • 0 / 4
    Activity 1

Activity 1

How do I give opinions?

ንገለ ሰባት ርእይቶኦም እናሃቡ ብምስማዕ ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ክትምልሱ ፈትኑ።

How many people definitely would NOT sing karaoke?

ጽን ኢልኩም ብምስማዕ፡ መልስታትኩም ገምግሙ። ካብኡ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ምስ ዘሎ ጽሑፍ ኣወዳድርዎ።

ነቲ ቅዳሕ ጽሑፍ ኣርእይዎ ነቲ ቅዳሕ ጽሑፍ ሕብእዎ

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፣ እንቋዕ ናብ መደብ How do I… ብድሓን መጻእኩም። ኣነ ተኽልማርያም በኪት ኢየ፡ ምሳና’ውን ፊል ኣሎ።

Phil
Hello, everybody. Welcome!

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብዚ ክፋል እዚ ከመይ ጌርና ርእይቶ ከም እንህብ ከንመሃር ኢና። ሰባት ንዝህብዎ ውልቃዊ ርኢቶታት ብምስማዕ ክንጅምር።
ኩሉ ብሓንሳብ እንተዘይተረዲእኩም ኣይትሸገሩ ድሓር ክንሕግዘኩም ኢና። ንሕጂ፡ መን ካራኦወኪ ክደርፍ ከምዝደሊ ወስኑ።

What do you think about karaoke?
• I think (that) it’s awful.
• Personally, I love it.
• In my opinion, it’s fine.

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እንታይ ይመስለኩም? እቲ ካልኣይ ተዛራቢ ብርግጽ ካራኦወኪ ክደርፍ ይኽእል። ሰለዚ ፊል፡ ርእይቶና ብኸመይ ከም እንቐርብ ዝሕግዘና ቛንቋ’ዶ ክንርኢ?

Phil
Yes, good idea!

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
መጀመርታ ርእይቶ ኣብ ምሃብ ዝሕግዘና ሕቶ ንርኣ። ብዛዕባ ናይ ሓደ ሰብ ርእይቶ ክንሓትት ምስ እንደሊ
‘What do you think about…?’ ንብል።

Phil
Yes, and the first person asked about karaoke. Listen and repeat after me:
What do you think about karaoke?

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ስዒብና ርኢቶ ናይቲ ቀዳማይ ሰሚዕና ። ነፍሲወከፍ ሰብ ፍሉይ ሓረግ ተጠቂሙ ርእይትኡ የካፍል። እቲ ቀዳማይ ተዛራቢ ድማ ‘I think…’ ተጠቂሙ ርእይቶኡ ኣቕሪቡ።

Phil
Yes, we can say ‘I think…’ or ‘I think that…’ – both are correct.

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እቲ ቀዳማይ ተዛራቢ ‘it’s awful’ ደስ ዘይብል ኢዩ ኢሉ። ነዚ ሓረግ ሓደ ነገር ብጣዕሚ ሕማቕ እንተኾይኑ ንጥቀመሉ።

Phil
That’s right, let’s practise the first sentence to give an opinion. Listen and repeat:
I think it’s awful.

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እቲ ዝሰዓበ ተዛራቢ ሓያል ርእይቶ ነይርዎ። ርእይቶኡ ንኽገልጽ እንታይ ከምዝበለ ትዝክሩዶ። ‘Personal’ ወይ ‘personally’? ድዩ ኔይሩ።

Personally, I love it.

Phil
It was ‘personally’.

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እወ፡ እዚ ናተይ ርእይቶ እዪ ክንብል ‘personally’ ንጥቀም። እቲ ሰብ ትርር ዝበለ ርእይቶ ነይርዎ ግን ብኣወንታዊ መንገዲ ኣቕሪብዎ።
‘I love it’ ይፈትዎ’የ ኢሉ። እዚ ከኣ ንሓደ ነገር ኣዝዩ ምፍታዉ እዩ ዘስምዕ።

Phil
That’s right, let’s practise the second sentence to give an opinion. Listen and repeat:
Personally, I love it.

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕጂ፡ እቲ ሳልሳይ ሰብ ብኸመይ ርእይቶኡ ኣቅሪቡ? ‘My opinion’ ድዩ ወይ ‘in my opinion’? ተጠቂሙ።

In my opinion, it’s fine.

Phil
It was ‘in my opinion’.

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እወ፡ ቕድሚ ‘my opinion’ ‘in’ ምጥቃም ኣገዳሲ’ዩ። እዚ ሰብ 'it’s fine' ኢሉ፡ እዚ ማለት ሓደ ነገር ብቀሊሉ ቅቡል ማለት’ዩ።

Phil
We can say ‘it’s fine’ when something is OK. Let’s practise the third sentence to state our opinions. Listen and repeat after me:
In my opinion, it’s fine.

Great, now it’s time for some practice!

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም፡ ፊል ዝሓቶ ሕቶታት ብምስማዕ ሓደ ነገር ሕማቕ’ዩ ኢልኩም ፈትኑ። ‘I think’ ዝብል ሓረግ ተጠቂምኩም ርእይቶኩም ግለጹ። ድሕሪኡ መልስታትኩም ምስ ናይ ፊል ኣወዳድርዎ።

Phil
What do you think about hot weather?

I think it’s awful.

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Did you say the same? ኣብዚ እዋን ንናይ ፍል ሕቶ ጽቡቕ ኢዩ ኢልኩም መልሱ። ርእይቶኩም ‘in my opinion’ ዝብል ሓረግ ተጠቂምኩም ተዛረቡ። ድሕሪኡ መልስኹም ምስ ናይ ፊል መልሲ ኣወዳድርዎ።

Phil
What do you think about studying English online?

In my opinion, it’s fine.

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም፡ ርእይቶኩም ንምግላጽ 3ተ ዝተፈላለዩ መንገድታት ተማሂርኩም። መርብብ ሓበሬታና ብምብጻሕ ከትለማመዱ ትኽእሉ። What do you think of our website, Phil?

Phil
Personally, I love it.

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
I love it, too. Thank you, see you again for another episode of How do I… Bye!

Phil
Goodbye!

Learn more!

1. ናይ ሓደ ሰብ ርእይቶ ብኸመይ ክንሓትት ንኽእል፧
'What do you think about…?’ ብምባል፡ ኣርእስቲ ሕቶኹም ወስኹ። ስለዚ ብኸምዚ ክንሓትት ንኽእል፡

What do you think about the new design?
What do you think about this website?

2. ርእይቶና ንምግላጸ እንታይ ዓይነት ሓረግ ክንጠቅም ንኽእል፧
ሰለስተ ዓይነት ሓረጋት ተማሂርና፡ 'I think', 'personally' ከምኡ’ውን 'in my opinion' ከኣ ንርእይቶና ንምግላጸ ንጥቀመሎም። ኩሎም ሓደ ትርጉም ኣለዎም። ንውልቃዊ ርእይቶ ንምግላጽ ድማ ንጥቀመሎም።  

I think it's fine.
Personally, I love it.
In my opinion, it's awful.

3. ርእይቶ ብኸመይ ንገልጽ፧
'It's’ ብምባል ቅጽል ወሲኺና ርእይቶ ንህብ። ንኣብነት፡

It's fine.
It's awful.
It's great.

ርእይቶ ንምሃብ ካልኦት ዝተፈላለዩ ግስታት እውን ክትጥቀም ንኽእል።

• I love it.
• I like it.
• I hate it.

 

ከመይ ገይረ ርእይቶ ክህብ ይኽእል?

4 Questions

Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ።

ኣገናዕ፡ ፈተናኹም ዛዚምኩም
Excellent! Great job! ሕማቕ ዕድል! ዘመዝገብኩምዎ ነጥቢ ...:
x / y

Tell us what you think about learning English on our Facebook group!
ብዛዕባ ትምህርቲ እንግሊዝ ዘለኩም ሓሳባት ኣብ ፈይስ ቡክና ኣካፍሉና።

Join us for our next episode of How do I…, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝቕጽል መደብ How do I…, ብዙሕ ጠቓሚ ቋንቋ እትመሃሩሉን ናይ
ምስማዕ ክእለትኩም እትለማመዱሉን ብደሐን የራኽበና።

Session Vocabulary

  • karaoke
    ካርዮኪ

    awful
    ዘስካሕክሕ/ዘሰንብድ

    love
    ፍቕሪ

    fine
    ጽቡቕ/ግርም

    opinion
    ርእይቶ

    personally
    ብወገነይ