บทเรียนย่อย 18

Listen to find out how to ask for directions.
ጽን ኢልኩም ብምስማዕ: ኣንፈት ከመይ ገርኩም ከምትሓቱ ፈለጡ።

บทเรียนย่อยในบทเรียนนี้

คะแนนจากบทเรียนย่อย 18

0 / 3

  • 0 / 3
    แบบฝึกหัด 1

แบบฝึกหัด 1

How do I get to...?

Listen to find out how to ask for detailed directions.
ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ዝርዝር ዘሎዎ ኣንፈት ከመይ ገርኩም ከምትሓቱ ፈለጡ።

Listen to the audio and take the quiz. ነዚ ድምጺ ብምስማዕ ንርእስኹም ፈትንዋ።

แสดงเนื้อหาบทบันทึกเสียง ซ่อนเนื้อหาบทบันทึกเสียง

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
መርሓባ፡ እንቋዕ ናብ መደብ Essential English Conversation ብድሓን መጻእኩም። ንተማሃሮ ቋንቋ እንግሊዝኛ ጠቓሚ ዝኾነ ትሑዝቶ ሒዝናሉኩም ቀሪብና ኣለና። ኣነ ተመስገን ይበሃል። ኣብ ናይ ሎሚ ክፋል፡ ብዛዕባ ኣብቲ ትነብሩሉ ከተማ ዝርከቡ ቦታታት ከመይ ጌርኩም ከምትውከሱ ክንመሃር ኢና።
እዞም ክልተ ሰባት፡ ብዛዕባ ናብ ሱፐርማርኬት ከመይ ኢልካ ከምዝኽየድ ይዘራረቡ ኣለዉ።

Phil
How do I get to the supermarket?

Sam
Turn left, go straight on, turn right, it’s on Queen Street.

Phil
Thanks!

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክብድ ዝብል እንተመሲሉ፡ እዚ ምይይጥ ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱሉ ክንሕግዘኩም ኢና።
እታ ቀዳማይ ተዛራቢ፡ ናብ ሱፐርማርኬት በየን ከምዝኸይድ ይሓትት ኣሎ። ‘ከመይ ገይረ ይኸይድ…’ ‘How do I get to…?’ ድሕሪ ምባል ሱፐርማርኬት ‘the supermarket’ ኢሉ ወሲኹ። ነዚ ሓረግ ሰሚዕኩም ድገምዎ።

How do I get to the supermarket?

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሽዑ፡ እታ ካልኣይቲ ተዛራቢት መንገዲ ሓቢራቶ። ቅድም ንጸጋም ክኸይድ ‘turn left’ ሓቢራቶ። ቀጺላ ‘ትኽ ኢልካ ኪድ’ ‘go straight on’, ምስ በለት፡ ሽዑ ንየማን ተዓጸፍ ‘turn right’ ኢላቶ።
ነዚ ሓረግ ሰሚዕኩም ድገምዎ።

Turn left.
Go straight on.
Turn right.

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብ ክዊን ስትሪት ኣለካ ‘It’s on Queen Street’ ኢላቶ። ‘ኣብ’ ‘It’s on…’ ድሕሪ ምባል ሽም ናይቲ ጽርግያ ብምዉሳኽ ነጊራቶ።
ሰሚዕኩም ነቲ ሓረግ ድገምዎ።

It’s on Queen Street.

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እቲ ሓታቲ ሽዑ ‘ስለ ምትሕብባርኪ የቐንየለይ’ ‘Thanks!’ ኢሉዋ. ሰሚዕኩም ነቲ ሓረግ ድገምዎ።

Thanks!

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ - ሕጂ፡ ብዛዕባ ቦታታት ሓበሬታ ንዝሓተቱ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝሃብኩሞ መልሲታት ደጊምኩም ረኣዩ።
ፒት ናብ ባንክ ‘bank’ ክኸይድ ደልዩ’ሎ።

How do I get to the bank?

Turn right, go straight on, turn left, it’s on Perth Road.

Thanks!

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ደጊምና ክንፍትነን ኢና። ነተን ናይ እንግሊዝኛ ምሉኣት ሓሳባት ሰሚዕኩም ድገምወን። ነፍሰ-ወከፈን ከክልተ ግዜ ክትሰምዕወን ኢኹም።

How do I get to the supermarket?
How do I get to the supermarket?

Turn left.
Turn left.

Go straight on.
Go straight on.

Turn right.
Turn right.

It’s on Queen Street.
it’s on Queen Street.

Thanks!
Thanks!

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ካብዚ ሕጂ ዝተማሃርኩምዎ ክንደይ ክትዝክሩ ከምትኽእሉ ንርአ። ነቶም ሓረጋት ብቋንቋኹም ምስ ሰማዕኩም ናብ እንግሊዘኛ ተርጕምኩም ኣቕርቡዎም።

ናብ ሱፐርማርኬት ከመይ ጌይረ ክበጽሕ ይኽእል?
How do I get to the supermarket?

ንጸጋም ተጠወይ
Turn left.

ትኽ ኢልካ ኪድ.
Go straight on.

ንየማን ተጠወይ.
Turn right.

ኣብ ክዊን ስትሪት ኣሎ
It’s on Queen Street.

የቐንየለይ!
Thanks!

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ - ሕጂ ብእንግሊዝኛ፡ ብዛዕባ መንገዲ ክተዉከሱን ሓበሬታ ክትህቡን ትኽእሉ። እቲ ቀዳማይ ተዛራባይ ብዛዕባ መንገዲ ንዝሓተቶ ሓበሬታ መልሲ ብምሃብ ተለማመዱ።

How do I get to the supermarket?
Thanks!

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕጂ ንብምሉኡ’ቲ ዝርርብ ደጊምኩም ብምስማዕ፡ ንዝሃብኩሞ መልሲታት ኣነጻጽሩ።

Phil
How do I get to the supermarket?

Sam
Turn left, go straight on, turn right, it’s on Queen Street.

Phil
Thanks!

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ ስራሕ! ሕጂ ብእንግሊዝኛ ኣብቲ ትነብርሉ ከተማ በዚ ኣገባብ ሓበሬታ ክትህቡ ትኽእሉ። ምስ መሓዙትኩም ኮይንኩም ንዝተመሃርክሞ ምልምማድ ድማ ኣይትረስዑ።
ኣብ ዝቕጽል መደብ Essential English Conversation ክሳብ ንራኸብ ሰሰናዩ። Bye!

Check what you’ve learned by choosing the correct answer to the question.
እንታይ ከምዝተማሃርካ ንምፍላጥ ነዚ ዝሰዕብ ሕቶ ትኽክል መልሲ ምረጽ።

How do I get to...?

3 Questions

Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጽ

ยินดีด้วยคุณทำแบบฝึกหัดเสร็จแล้ว
Excellent! เยี่ยม! แย่หน่อย! คุณทำคะแนนได้:
x / y

Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝስዕብ መደብ Essential English ኣጠቓቕማ ቋንቋን ናይ ምስማዕ ክእለትኩም እተማዕብሉሉን ትምህርቲ ሒዝና ክንቀርብ ኢና።

ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና

Session Vocabulary

  • How do I get to ______?
     ከመይ ኢለ ናብ ______ ክበጽሕ ይክእል

    the supermarket
    ሱፐር ማርከት (ድኳን)

    the bank
    ባንክ

    the post office
    ፖስታ ቤት

    Go straight on.
    ትኽ ኢልካ ኪድ

    Turn right.
    ንየማን ተጠወ (ተዓጸፍ)

    Turn left.
    ንጸጋም ተጠወ  (ተዓጸፍ)

    It’s on ______.
    ኣብ ጥቃ ______ ኣሎ። (ፊት ______ ኣሎ)

    Thanks!
    የቐንየለይ