บทเรียน 1: Essential English Conversation
เลือกบทเรียน
- 1 Essential English Conversation
- 2 Essential English Conversation
- 3 Unit 3
- 4 Unit 4
- 5 Unit 5
- 6 Unit 6
- 7 Unit 7
- 8 Unit 8
- 9 Unit 9
- 10 Unit 10
- 11 Unit 11
- 12 Unit 12
- 13 Unit 13
- 14 Unit 14
- 15 Unit 15
- 16 Unit 16
- 17 Unit 17
- 18 Unit 18
- 19 Unit 19
- 20 Unit 20
- 21 Unit 21
- 22 Unit 22
- 23 Unit 23
- 24 Unit 24
- 25 Unit 25
- 26 Unit 26
- 27 Unit 27
- 28 Unit 28
- 29 Unit 29
- 30 Unit 30
- 31 Unit 31
- 32 Unit 32
- 33 Unit 33
- 34 Unit 34
- 35 Unit 35
- 36 Unit 36
- 37 Unit 37
- 38 Unit 38
- 39 Unit 39
- 40 Unit 40
บทเรียนย่อย 14
Listen to find out how to ask people about their children.
ንሰባት ብዛዕባ ደቆም ከመይ ኢልኩም ከም እትውከሱዎም ስምዑ።
คะแนนจากบทเรียนย่อย 14
0 / 3
- 0 / 3แบบฝึกหัด 1
แบบฝึกหัด 1
Any children?
Listen to find out how to ask people about their children.
ንሰባት ብዛዕባ ደቆም ብኸመይ ኣገባብ ከም እትሓቱዎም ንምፍላጥ ስምዑ።
Listen to the audio and take the quiz. ነዚ ኦድዮ ብምስማዕ ፈተና ዉሰዱ።

ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ሰላም፡ እንቋዕ ናብ መደብ Essential English Conversation ብድሓን መጻእኩም። እዚ ንተምሃሮ ቋንቋ እንግሊዘኛ ንምዝርራብ ዝሕግዝ ኣድላዪ መደብ’ዩ። ኣነ ተመስገን እበሃል። ኣብ ናይ ሎሚ ክፋል ብኸመይ ኣገባብ ንሰባት ቈልዑ እንተ’ሎዎም ክትውከሱዎም ዘኽእል ትምህርቲ ክትመሃሩ ኢኹም። ሕጂ ክልተ ሰባት ብዛዕባ ደቆም ከዕልሉ እንከለዉ ንከታተል።
Debbie
Do you have any children?
Michael
Yes, we have a son.
Debbie
How old is he?
Michael
Our son is five.
ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
እዚ ናይ ክልቲኦም ዕላል ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱሉ ክንሕግዘኩም ስለዝኾንና ክብድ ዝብል እንተመሲሉ ኣይትሻቐሉ። ብመጀመርታ ደቢ ን ማይክል “ቈሎዑ ኣሎዉኻ’ዶ?” ኢላ ሓቲታቶ። ‘‘Do you have any children?’’ ሓደ ሰብ ክንደይ ቈልዑ ከም ዘሎዎ ክትዉከሱ እንከለኹም ‘any’ ዝብል ቃል ድሕሪ ‘do you have’ ክትዉስኹሉ የድሊ.። ሰሚዕኩም ድገሙ።
Insert
Do you have any children?
ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ሽዑ ማይክል “እወ፡ ሓደ ወዲ ኣሎና” ኢሉ መሊሱ። ‘Yes, we have a son.’ ። “እወ . . . ኣሎና” ኢሉ መለሰ - ‘Yes, we have...’ ክንደይ ቈልዑ ከም ዘሎዎም ዚገልጽ ኣሃዝ ወሰኸሉ። ንስኹም ኸኣ ወዲ ወይ ጓል ከም ዘለኩም ክትሕብሩ ትኽእሉ። ሰሚዕኩም ድገሙ።
Insert
Yes, we have a son.
ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ደቢ ንማይክል “ክንደይ’ዩ ዓመቱ?’ ኢላ ሓቲታቶ - ‘How old is he?’ ኣስተውዕሉ፡ ደቢ ‘he’ ዚብል ቃል’ያ ተጠቒማ - ብዛዕባ ወዲ ስለዝኾነ። ማይክል ወድን ጓልን እንተ ዝነብሩዎ፡ ደቢ ‘they’ ዝብል ቃል ምተጠቐመት ነይራ፡ ወይ ድማ ማይክል ሓንቲ ጓል እንተትነብሮ ‘she’ ምተጠቀመት ኔርና። ሰሚዕኩም ድገሙ።
Insert
How old is he?
ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ማይክል፡ ኣብ መወዳእታ፡ ‘ወድና ሓሙሽተ ጌይሩ’ ‘Our son is five.’ ኢሉ። ማይክል ንደቢ ዕድሜ ዉላዱ ክነግራ ኸሎ “Our son is ...” ዝብል ሓረግ ተጠቒሙ - ኣሃዝ ናይ ዕድሜኡ ኸኣ ኣጥቢቑ ወሲኹሉ። ሰሚዕኩም ድገሙ።
Insert
Our son is five.
ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ግርም! ሕጂ ነቲ ዝበልኩምዎ ምስ ናይ ካልኦት ሰባት፡ ብዛዕባ ደቆም ክተሓታቱ ከሎዉ ዝበልዎ ንምንጽጻር ስምዑ።
Do you have any children?
Yes, we have a daughter.
How old is she?
She’s four.
Do you have any children?
Yes, we have a son.
How old is he?
He’s seven.
ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ደጊምና ክንፍትነን ኢና። ነተን ናይ እንግሊዘኛ ምሉኣት ሓሳባት ሰሚዕኩም ድገምወን። ነፍስወከፍ ምሉኣት-ሓሳባት ሓሓንቲ ግዜ ክትሰምዕወን ኢኹም።
Do you have any children?
Yes, we have a son.
How old is he?
Our son is five.
ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ሕጂ’ምበኣር ካብዚ ዝተማሃርኩምዎ ክሳብ ክንደይ ክትዝክሩ ከም እትኽእሉ ንርአ። ነተን ሓረጋት ብቋንቋኹም ምስ ሰማዕኩም ናብ እንግሊዘኛ ተርጕምኩም ኣቕርቡወን።
ቈልዑ ኣለዉኹም’ዶ?
Do you have any children?
እወ፡ ሓደ ወዲ ኣሎና።
Yes, we have a son.
ክንደይ’ዩ ዕድሚኡ?
How old is he?
ወድና ሓሙሽተ’ዩ ዓመቱ።
Our son is five.
ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ! ሕጂ ነዚ ኣገባበ ኣዘራርባ ተጠቂምኩም ብዛዕባ ደቅኹም ከተዕልሉ ትኽእሉ። ንደቢ መልሲ ብምሃብ ተለማማዱ።
Do you have any children?
How old is he?
ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ሕጂ ነቲ ዝነበረ ዕላል ብምልኡ ብምስማዕ ምስ መልስታትኩም ኣነጻጽሩ።
Debbie
Do you have any children?
Michael
Yes, we have a son.
Debbie
How old is he?
Michael
Our son is five.
ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ደጊም ምስ ካልኦት ሰባተ ብዛዕባ ደቅኹምን ደቆምን ብኸምዚ ኣገባብ ከተዕልሉ ትኽእሉ። እዚ ዝተማሃርኩምዎ ምስ መሓዙትኩም ብምዃን ደጋጊምኩም ምልምማድ ኣይትረስዑ። ምሳና ብምጽናሕኩም የመስግን። ኣብ ዝቕጽል መደብ Everyday English ክሳብ ንራኸብ፡ ሰሰናዩ። Bye!
Check what you’ve learned by putting the words in the correct order.
ዝተማሃርኩምዎ ንምግምጋም ነዞም ቃላት ብተርታ ስርዕዎም።
Any children?
3 Questions
Put the words in the correct order.
እዞም ቃላት ብቕደም ተኸተል ስርዕዎም።
ช่วยเหลือ
แบบฝึกหัด
Put the words in the correct order.
እዞም ቃላት ብቕደም ተኸተል ስርዕዎም።
คำใบ้
እዚ ሕቶ ሰባት ክንደይ ቈልዑት ከም ዘሎዎም ንምፍላጥ ንጥቀመሉ።Question 1 of 3
ช่วยเหลือ
แบบฝึกหัด
Put the words in the correct order.
እዞም ቃላት ብቕደም ተኸተል ስርዕዎም።
คำใบ้
እወ፡ ሓደ ወዲ ኣለና።Question 2 of 3
ช่วยเหลือ
แบบฝึกหัด
Put the words in the correct order.
እዞም ቃላት ብቕደም ተኸተል ስርዕዎም።
คำใบ้
ጓልና ዕድሜኣ ሸውዓተ ምዃና ንምንጋር ምስእንደሊ . . .Question 3 of 3
Excellent! เยี่ยม! แย่หน่อย! คุณทำคะแนนได้:
Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝስዕብ መደብ Essential English ኣጠቓቕማ ቋንቋን ናይ ምስማዕ ክእለትኩም እተማዕብሉሉን ትምህርቲ ሒዝና ክንቀርብ ኢና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና
Session Vocabulary
Do you have any children?
ቈልዑ ኣለዉኹም’ዶ?Yes, we have a son.
እወ፡ ሓደ ወዲ ኣለና።Yes, we have a daughter.
እወ፡ ሓንቲ ጓል ኣላትና።How old is he/she?
ክንደይ’ዩ ዕድሚኡ/ዕድሚኣ?Our son is ______.
ወድና ____________ ኢዩ።She’s _______.
ጓልና ____________ ኢያ።