ਸੈਸ਼ਨ 14

Listen to find out how to ask people about their children.
ንሰባት ብዛዕባ ደቆም ከመይ ኢልኩም ከም እትውከሱዎም ስምዑ።

Session 14 score

0 / 3

  • 0 / 3
    ਕਿਰਿਆ/ਕੰਮ 1

ਕਿਰਿਆ/ਕੰਮ 1

Any children?

Listen to find out how to ask people about their children.
ንሰባት ብዛዕባ ደቆም ብኸመይ ኣገባብ ከም እትሓቱዎም ንምፍላጥ ስምዑ።

Listen to the audio and take the quiz. ነዚ ኦድዮ ብምስማዕ ፈተና ዉሰዱ።

Show transcript Hide transcript

ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ሰላም፡ እንቋዕ ናብ መደብ Essential English Conversation ብድሓን መጻእኩም። እዚ ንተምሃሮ ቋንቋ እንግሊዘኛ ንምዝርራብ ዝሕግዝ ኣድላዪ መደብ’ዩ።  ኣነ ተመስገን እበሃል።  ኣብ ናይ ሎሚ ክፋል ብኸመይ ኣገባብ ንሰባት ቈልዑ እንተ’ሎዎም ክትውከሱዎም ዘኽእል ትምህርቲ ክትመሃሩ ኢኹም።   ሕጂ ክልተ ሰባት ብዛዕባ ደቆም ከዕልሉ እንከለዉ ንከታተል።

Debbie
Do you have any children?

Michael
Yes, we have a son.

Debbie
How old is he?

Michael
Our son is five.

ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
እዚ ናይ ክልቲኦም ዕላል ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱሉ ክንሕግዘኩም ስለዝኾንና ክብድ ዝብል እንተመሲሉ ኣይትሻቐሉ። ብመጀመርታ ደቢ ን ማይክል “ቈሎዑ ኣሎዉኻ’ዶ?” ኢላ ሓቲታቶ። ‘‘Do you have any children?’’ ሓደ ሰብ ክንደይ ቈልዑ ከም ዘሎዎ ክትዉከሱ እንከለኹም ‘any’ ዝብል ቃል ድሕሪ ‘do you have’ ክትዉስኹሉ የድሊ.።  ሰሚዕኩም ድገሙ።

Insert
Do you have any children?

ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ሽዑ ማይክል “እወ፡ ሓደ ወዲ ኣሎና” ኢሉ መሊሱ። ‘Yes, we have a son.’ ። “እወ . . .  ኣሎና” ኢሉ መለሰ - ‘Yes, we have...’ ክንደይ ቈልዑ ከም ዘሎዎም ዚገልጽ ኣሃዝ ወሰኸሉ።  ንስኹም ኸኣ ወዲ ወይ ጓል ከም ዘለኩም ክትሕብሩ ትኽእሉ።  ሰሚዕኩም ድገሙ።

Insert
Yes, we have a son.

ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ደቢ ንማይክል “ክንደይ’ዩ ዓመቱ?’ ኢላ ሓቲታቶ -  ‘How old is he?’ ኣስተውዕሉ፡ ደቢ ‘he’ ዚብል ቃል’ያ ተጠቒማ - ብዛዕባ ወዲ ስለዝኾነ። ማይክል ወድን ጓልን እንተ ዝነብሩዎ፡ ደቢ ‘they’ ዝብል ቃል ምተጠቐመት ነይራ፡ ወይ ድማ ማይክል ሓንቲ ጓል እንተትነብሮ   ‘she’  ምተጠቀመት ኔርና። ሰሚዕኩም ድገሙ።

Insert
How old is he?

ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ማይክል፡ ኣብ መወዳእታ፡ ‘ወድና ሓሙሽተ ጌይሩ’ ‘Our son is five.’ ኢሉ። ማይክል ንደቢ ዕድሜ ዉላዱ ክነግራ ኸሎ “Our son is ...” ዝብል ሓረግ ተጠቒሙ - ኣሃዝ ናይ ዕድሜኡ ኸኣ ኣጥቢቑ ወሲኹሉ። ሰሚዕኩም ድገሙ።

Insert
Our son is five.

ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ግርም! ሕጂ ነቲ ዝበልኩምዎ ምስ ናይ ካልኦት ሰባት፡ ብዛዕባ ደቆም ክተሓታቱ ከሎዉ ዝበልዎ ንምንጽጻር ስምዑ። 

Do you have any children?

Yes, we have a daughter.

How old is she?

She’s four.

Do you have any children?

Yes, we have a son.

How old is he?

He’s seven.

ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ደጊምና ክንፍትነን ኢና።  ነተን ናይ እንግሊዘኛ ምሉኣት ሓሳባት ሰሚዕኩም ድገምወን።  ነፍስወከፍ ምሉኣት-ሓሳባት ሓሓንቲ ግዜ ክትሰምዕወን ኢኹም።  

Do you have any children? 

Yes, we have a son.

How old is he?

Our son is five.

ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ሕጂ’ምበኣር ካብዚ ዝተማሃርኩምዎ ክሳብ ክንደይ ክትዝክሩ ከም እትኽእሉ ንርአ። ነተን ሓረጋት ብቋንቋኹም ምስ ሰማዕኩም ናብ እንግሊዘኛ  ተርጕምኩም ኣቕርቡወን።

ቈልዑ ኣለዉኹም’ዶ?
Do you have any children?

እወ፡ ሓደ ወዲ ኣሎና።
Yes, we have a son.

ክንደይ’ዩ ዕድሚኡ?
How old is he?

ወድና ሓሙሽተ’ዩ ዓመቱ።
Our son is five.

ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ! ሕጂ ነዚ ኣገባበ ኣዘራርባ ተጠቂምኩም ብዛዕባ ደቅኹም ከተዕልሉ ትኽእሉ። ንደቢ መልሲ ብምሃብ ተለማማዱ። 

Do you have any children?
How old is he?

ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ሕጂ ነቲ ዝነበረ ዕላል ብምልኡ ብምስማዕ ምስ መልስታትኩም ኣነጻጽሩ።

Debbie
Do you have any children?

Michael
Yes, we have a son.

Debbie
How old is he?

Michael
Our son is five.

ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ደጊም ምስ ካልኦት ሰባተ ብዛዕባ ደቅኹምን ደቆምን ብኸምዚ ኣገባብ ከተዕልሉ ትኽእሉ። እዚ ዝተማሃርኩምዎ ምስ መሓዙትኩም ብምዃን ደጋጊምኩም ምልምማድ ኣይትረስዑ። ምሳና ብምጽናሕኩም የመስግን። ኣብ ዝቕጽል መደብ Everyday English ክሳብ ንራኸብ፡ ሰሰናዩ። Bye!

Check what you’ve learned by putting the words in the correct order.
ዝተማሃርኩምዎ ንምግምጋም ነዞም ቃላት ብተርታ ስርዕዎም።

Any children?

3 Questions

Put the words in the correct order.
እዞም ቃላት ብቕደም ተኸተል ስርዕዎም።

ਵਧਾਈ ਹੋਵੇ ਤੁਸੀਂ ਕੁਇਜ਼ ਪੂਰਾ ਕਰ ਲਿਆ
Excellent! Great job! Bad luck! ਤੁਹਾਡੇ ਵੱਲੋਂ ਹਾਸਲ ਕੀਤੇ ਗਏ ਅੰਕ:
x / y

Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝስዕብ መደብ Essential English ኣጠቓቕማ ቋንቋን ናይ ምስማዕ ክእለትኩም እተማዕብሉሉን ትምህርቲ ሒዝና ክንቀርብ ኢና።

ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና

Session Vocabulary

  • Do you have any children?
    ቈልዑ ኣለዉኹም’ዶ?

    Yes, we have a son.
    እወ፡ ሓደ ወዲ ኣለና።

    Yes, we have a daughter.
    እወ፡ ሓንቲ ጓል ኣላትና።

    How old is he/she?
    ክንደይ’ዩ ዕድሚኡ/ዕድሚኣ?

    Our son is ______.
    ወድና ____________ ኢዩ።

    She’s _______.
    ጓልና ____________ ኢያ።