Session 9

Listen to find out how to ask about someone’s birthday.
ንሓደ ሰብ ዕለተ-ልደቱ መዓስ ምዃኑ ከመይ ኢልኩም ከም እትውከስዎ ንምፍላጥ ተኸታተሉ።

Wayitii marii qabxii 9

0 / 3

  • 0 / 3
    Activity 1

Activity 1

When is your birthday?

Listen to find out how to ask about someone’s birthday.
ንሐደ ሰብ ዕለተ-ልደቶም መዓስ ምዃኑ ብከመይ ኣገባብ ከም እትሓቱዎም ንምፍላጥ ተኸታተሉ።

Listen to the audio and take the quiz. ነቲ ዝተመልአ ድምጺ ድሕሪ ምስማዕ ነቲ ዝስዕብ ፈተና ዉሰዱ።

Barreeffama agarsiisi Barreeffama dhoksi

ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ሰላም፤ እንቋዕ ብድሓን ናብ መደብ Essential English Conversation  መጻእኩም። እዚ ንተምሃሮ ቋንቋ እንግሊዘኛ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ መደብ’ዩ። ኣነ ......... እበሃል፣  ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ንሰባት ብዕለተ-ልደቶም ከመይ ኢልኩም ከም እትውከሱዎም ክትመሃሩ ኢኹም። 

ሕጂ ክልተ ሰባት ብዛዕባ ዕለተ-ልደቶም ክተሓተቱ ከለዉ ተኸታተሉ።

Amy
When’s your birthday?

Phil
My birthday’s on June the 10th.

Amy
Mine’s on October the 3rd.

ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ክብድ ዝብል እንተመሲሉ ኣይትሻቐሉ። እዚ ምይይጥ ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱሉ ክንሕግዘኩም ኢና።

ብመጀርታ ኤይሚ ን ፊል ‘መዓስ’ዩ ዕለተ-ልደትካ?’ ኢላ ሓተተቶ’ ‘When is your birthday?’

ንቕድም ነቲ ሓረግ ስምዑዎ፡ ድሓር ድገሙ።

Insert
When’s your birthday?

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሽዑ ፊል ከምዚ ኢሉ መለሰ - “ዕለተ-ልደተይ 10 ሰነ’ዩ”  ‘My birthday’s on June the 10th.’ እቲ ዕለት ብመዓልትን ወርሕን ምስ እንገልጾ ‘on’ ዝብል ቃል ንጥቀም።  ንኣብነት፡ 10 ግንቦት ከምኡ’ውን 22 ሚያዝያ ብኸምዚ ኣገባብ ንገልጾም  ‘on May the 10th’ and ‘on April the 22nd’  

ንቅድም ስምዑ ድሓር ድገሙ።

Insert
My birthday’s on June the 10th.

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ዕለተ-ልደትና ምስ እንጠቅስ ዝተወለድናሉ ወርሒ ከነቕድም ንኽእል። ኣስማት ኣዋርሕ ከምዚ ዝስዕቡ’ዮም ...

Insert
ጥሪ  January
የካቲት February
መጋቢት  March
ሚያዝያ April
ግንቦት May
ሰነ June
ሓምለ July
ነሓሰ August
መስከረም  September
ጥቅምቲ  October
ሕዳር  November
ታሕሳስ  December 

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣስዒብኩም እቲ ዝተወልድኩሙሉ መዓልቲ ብተርታዊ ቍጽሪ ወይከኣ ብኣሃዝ ኢኹም ተቕርቡዎ። ተርታዊ ቍጽሪ ሓደ፡ ክልተ፡ ሰለስተ ዘኣመሱ ማለት’ዩ። 

Insert
First, second, third.

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ዕስራ ዘሎዉ ኣሃዛት ኣብ መወዳእታ ‘th’ ዘድምጽ ቃል ክትውስኹሉ ትኽእሉ። ንኣብነት ...

Insert
ራብዓይ fourth
ዓሽራይ  tenth
መበል ዓሰርተ-ሸሞንተ  eighteenth

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ልዕሊ ዕስራ ዝዀኑ ኣሃዛት “ዕስራ ምስ በልና እቲ ተወሳኺ ንጽል-ኣሃዝ ነጥብቐሉ” ።

Insert
ዕስራን-ኣርባዕተንTwenty-fourth
ዕስራን-ሸውዓተንTwenty-seventh
ዕስራን-ትሽዓተን  – Twenty-ninth

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ስለዚ ኤይሚ ን ፊል “ዕለተ-ልደተይ ሰለስተ ጥቅምቲ’ዩ” ኢላ ነገረቶ። ‘Mine’s on October the 3rd’

ንቕድም ስምዑ ድሓር ድገሙ።

Insert
Mine’s on October the 3rd.

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ!  ከም መፈተንታ’ምበኣር ኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ዕለተ-ልደቶም ክዛረቡ ከለዉ ንስማዕ።

When’s your birthday?

My birthday’s on May the 23rd.

Mine’s on January the 10th.

When’s your birthday?

My birthday’s on February the 13th.

Mine’s on August the 8th.

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! እቲ ዝተማሃርኩምዎ ክሳብ ክንደይ ከም እትዝክሩዎ እስከ ንርአ። ነቶም ሓረጋት ብቋንቋኹም ምስ ሰማዕኩም ናብ እንግሊዘኛ  ተርጕምኩም ኣቕርቡዎም።
መዓስ’ዩ ዕለተ-ልደትካ?

When’s your birthday?

ዕለተ-ልደተይ ዓሰርተ ሰነ’ዩ።

My birthday’s on June the 10th.

ናተይ ከኣ ሰለስተ ጥቅምቲ’ዩ።

Mine’s on October the 3rd

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ! ናይ ሎሚ ቀንዲ መግለጽ-ሓሳባት ንምኽላስ ንብምልኡ’ቲ ምይይጥ ደጊምኩም ስምዑዎ።

Amy
When’s your birthday?

Phil
My birthday’s on June the 10th.

Amy
Mine’s on October the 3rd

ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ግርም! ሕጂ’ምበኣር ብእንግሊዘኛ ንሰባት ዕለተ-ልደቶም መዓስ ምዃኑ ክትውከሱዎም ትኽእሉ። ንዝተማሃርኩምዎ ደጋጊምኩም ምልምማድ ኣይትረስዑ።  መሓዛ ኣናዲኹም ብእንግሊዘኛ ዕለተ-ልደቶም መዓስ ምዃኑ ተወከሱዎም።   እቲ ዕለት ብኣገባብ ግለጹዎ  - ማለት ቅድም ወርሒ ድሓር ዕለት ኣከታቲልኩም ኣቕርቡዎ።

ኣብ ዝቕጽል መደብ Essential English Conversation የራኽበና። See you next time!

Check what you’ve learned by choosing the correct answer to the question.
ናይቲ ሕቶ ቅኑዕ መልሲ ብምምራጽ፡ እንታይ ከም ዝተምሃርኩም ርእስኩም ገምግሙ።

When is your birthday?

3 Questions

Choose the correct answer.
እቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።

Baga gammadde! Qormaata xumurteetta
Excellent! Great job! Carraa badaa! Qabxii argatte:
x / y

Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብቲ ጠቓሚ ቋንቋ እትመሃርሉን ናይ ምስማዕ ክእለትኩም እትለማመድሉን ዝቕጽል መደብ Essential English የራኽበና።

ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና

Session Vocabulary

  • When’s your birthday?
    መዓስ’ዩ ዕለተ-ልደትካ/ዕለተ-ልደትኪ?

    My birthday’s on ______ the ______.
    ዕለተ-ልደተይ  ____________________እዩ።

    My birthday’s on the ______ of ______.
    ዕለተ-ልደተይ _____________________እዩ። 

    January
    ጥሪ

    February
    የካቲት

    March
    መጋቢት

    April
    ሚያዝያ

    May
    ግንቦት  

    June
    ሰነ

    July
    ሓምለ

    August
    ነሓሰ

    September
    መስከረም

    October
    ጥቅምቲ

    November
    ሕዳር

    December
    ታሕሳስ